ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝኾነ ይኹን ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ከምዘይገበረ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝኾነ ካብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ መመሓየሺ ታሪፍ ተግባራ ክገብር ኢዩ ብዝብል ዝተጋወሐ ሓበሬታ ሓሶት ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡
ብምዃኑ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ዝግበር ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ከመዘየለ እቲ ትካል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣረጋጊፁ፡፡
ካብ መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ን4 ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ማሕበረሰብ ፅዕንቶ ከይፍጠር በቢርብዒ ዓመት ተኸፊሉ ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ መስተኻኸሊ ታሪፍ ካብ ምፍፃም ወፃእ ሓዱሽ መመሓየሺ ታሪፍ ከምዘየለ እውን ኣመልኪቱ፡፡