ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ብኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪዬንኮ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡
ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን ሩሲያን ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ታሪኽን ባህሊን ከምዘለወን ዘልዓሉ ኣፈ-ጉባኤ ኣገኘሁ፤ ርክበን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፅአ ኣብሪሀን፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ስትራቴጂክ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ድሉው ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም፡፡
ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ እቲ ልኡኽ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምዝታዩ ይፍለጥ፡፡
ቅድም ክብል ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈራረሙ እውን ይዝከር፡፡
ብሰለሞን በየነ