Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ደው ንክብሉ ክሰርሕ ኢየ-ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣፍሪካ ሰላምን ፀፅታን ዝነገሰላ ንክትከውን ጎንፅታት ደው ንክብሉ ክሰርሕ ኢየ ክብሉ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ብምኻነ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ዧው ማኑኤል ጎሳዌስ ሎሬንሶ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ በፍላይ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኢኮኖሚ፣ ሰላምን ፀፅታን ከምዝሰርሑ ኢዮም ተዛሪቦም።

ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ዝፈጠሮ ዕድል ብምጥቃም ኣብታ ኣህጉር ስሉጥ ዘምድና ነግዲ ንክህሊ ጠመተ ብምሃብ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።

ሃገሮም ኣብ ኣፍሪካ ንዝካየዱ ቃን ቀንዲ ፕሮግራማትን ፕሮጀክታትን መፈፀሚ ዝውዕል ፋይናንስ ንምትእኽካብ መስ ሕብረት ኣፍሪካ ብሓባር ከምእትሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝካየዱ ትካላዊ መመሓየሺታት ንረብሓ ኣፍሪካ ቆላሕቲ ንክህቡ ሓቲቶም።

ብመሳፍንት ብርሌን ሄለን ታደሰን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.