ኤግዚቢሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ምብራቕን ደቡብ ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)6ይ ኤግዚቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ፌዴሬሽን ነጋዶ ደቂ ኣንስትዮ ሓበራዊ ዕዳጋ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ (ኮሜሳ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ÷ ብዛዕባ እቲ ኤግዚቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ኣመልኪተን ምስ ኣካቢት ቦርድ እቲ ፌዴሬሽን ማውሪን ሱምብዌ ተዛቲየን፡፡
እቲ ኤግዜቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ንደቂ ኣንስትዮ ነጋዶ ኢትዮጵያን ኣባል ሃገራት ኮሜሳን ምትእስሳር ዕዳጋ፣ ንግዲ ንምስፍሕፋሕን ናይ ፋይናንስ ዓቕመን ንምጥንኻር ዓብዪ ዕድል ከምዝፈጥር እተን ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፀን፡፡
ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ነጋዶ ንምጥንኻር ብትኹረት እናሰርሐት ትርከብ ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ማውሪን ሱምብዌ ብግደአን፤ ኢትዮጵያ እቲ ኤግዚቢሽንን ኮንፈረንስን ንግዲ ንምክያድ ምቹው ኩነታት ከምዘለዋ ኣብሪሀን፡፡