እቲ ጉባኤ ኣብ ከይዲ ይኹን ኣብ ውፅኢትን ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፋይን ከምዝኾነ ምርግጋፅ የድሊ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብዚ ጉባኤ ትፅቢት ዝግበር ሓደ ቁልፊ ነገር እቲ ጉባኤ ኣብ ከይዲ ይኹን ኣብ ውፅኢት ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፋይን ከምዝኾነ ርግፃኛ ምዃን የድሊ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ተኻይዱ።
ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ እቲ ስነ-ስርዓት ኣበ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “ኣብ ታሪኽ ጉባኤ ፓርቲታት ኢትዮጵያ መላእ ብሄር ብሄረሰብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ሃሊዩዎ ዝግበር ጉባኤ ናይ ፓርቲ ብልፅግና ጉባኤ ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።
ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ብቕዓት ዘለዎም ኣመራርሓታት ካብ ኩሉ ጫፍ እታ ሃገር ከምዝመፅኡ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ጉባኤ ኣብ ከይዲ ይኹን፣ ኣብ ውፅኢት ዲሞክራሲያዊን ኣሳታፋይን ከምዝኾነ ርግፀኛ ምዃን የድሊ” ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ታሪኽ ጉባኤ ፓርቲታት ኢትዮጵያ መላእ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ተወካሊ ሃሊዩዎም ዝግበር ጉባኤ ናይ ፓርቲ ብልፅግና ጉባኤፅራሕ ኢዩ” ብምባል ገሊፆም።
ኣብ ጉባኤ ኣካታታይነት፣ ኣሳታፋይነት ዲሞክራሲያዊ ብዝኾኑ ምንሽርሻር ሓሳባት ደንፊዑ ብቕዓት ዘለዎም ኣመራሓታት ካብ ኩሉ ጫፍ እታ ሃገር ክምረፁ ገይሩ ኢዩ፣ ኣሰራርሓ ሓንፂፁን ብዝተለመደ መገዲን ተደሚሩ ዝወፅአ ከምዝኾነ ዝቕፅል ምዕራፍ ዕዉት ካብ ዝሓለፈ ታሪኽና ምምሃር፣ መግንዛብ፣ ምስትውዓል ኣይንፅገምን ክብሉ ኣብሪሆም።
መሪሕ ሓሳብ ካልኣይ ጉባኤተ እቲ ፓርቲ ‘ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ’ ብዝብል ዝካየድ እውን ነዚ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
“ሓሳብ ብቓል ይንገር፣ መፅሓፍ ብሰነድ ይስነድ፣ ብተግባር ይግለፅ፤ ነገር ግን እዚ ሓሳብ ብምድግጋምን ብልምማድን ባህሊ ይኸውን ግብሉ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ‘ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ’ ማለት ኢዩ” ኢሎም።
ባህሊ ማለት ልምዲ፣ ክብሪን ትእምርቲን ብዘይ ጎስጓስን ቀስቃሲን ብርእሰ ፈቓድ ዝውገን ነገር ከምዝኾነ እውን ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።