Fana: At a Speed of Life!

እንግሊዝ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትብባር ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሓለዋን ኣታታይነትን፣ ኣብ መሰል ደቂ ኣነስትዮን ማዕርነት ፆታን ከምኡ እውን ግርዛት ደቂ ኣንስትዮን ፆታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲን ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይረን፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ዝተዛበዐ ኣመለኻኽታ፣ ሕፅረት ሓበሬታን ውስንነት ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ከይዓስል ከምዝገበረ ተዛሪበን፡፡

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ብሓባር ምስራሕ ከምዘድሊ ምግላፀን እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ኣምባሳደር ዳረን ዌልች ብግደኦም፥ እንግሊዝ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ብዝበልለፀ ንምጥንኻርን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ክትሰሕ ከምትደሊ ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.