ኦብነግ ሓድነት እቲ ውድብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ፈፂሞም ዝበሎም ኣቦ መንበር ካብ ሓላፍነት ኣልዒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ናፅነት ግምባር ኦጋዴን (ኦብነግ)ሓድነት እቲ ውድብ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባር ፈፂሞም ንዝበሎም ኣቦ መንበር ኣብዲራህማን ማሃዲ ካብ ሓላፍነት ኣልዒሉ፡፡
ማእኸላይ ኮሚቴ ኦብነግ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ።
እቶም ውልቀ ሰብ ላብ ኣቦ መንበርነት እቲ ውድብ ዝተለዓሉሉ ምኽንያት ሓድነት እቲ ግምባር ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ተግባራት ብምስረሖም ከምዝኾነ ተገሊፁ።
እቲ ግምባር መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ናብ ሃገር ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ ከይኸውን እውን እናተንቀሳቐሱ ነይሮም ኢሉ።
ኦብነግ 6 ነሓሰ 2010 ዓ.ም መንግስቲ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ሰላማዊ ቃልሲ ንምክያድ ናብ ሃገር ምእታዉ ይፍለጥ።