Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ሃረር ኣባል ፌደሬሽን ከተማታት ቱሪዝም ዓለም ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከተማ ሃረር ኣባል ፌደሬሽን ከተማታ ቱሪዝም ዓለም ንምዃን ዘቕረበቶ ሕጊ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝተኻየደ÷ ኣኼባ እቲ ፌዴሬሽን ተቐባሊነት ምርካባ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ኣፍሊጦም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኦም ኣብ ዘመሓላልዎ መልእኽቲ÷ እታ ከተማ ኣባል እቲ ፌዴሬሽ ምዃና ምስ ካልኦት ከተማታት ብምትእስሳር ብሓባር ንምስራሕ ከምኡ እውን እቲ ዓውዲ ንምንቅቓሕ ልዑል ዓቕሚ ይፈጥር ኢሎም፡፡

ከተማ ሃረር ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ኣባል ከተማታት ቅርሲ ዓለም ኮይና ምምዝጋባ ኣዘካኪሮም፡፡

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.