ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ትንሳኤ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት
‹‹ንኹሉኹም ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንዃዕ ንጎይታና ንእየሱስ ክርስቶስ በዓል ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና!!!
በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ሓጥያት ደቂ ሰባት ንምንፃህ ዓርሱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ፍቕሩ ብመስቀል ገሊፁ ሞይቱ ንደቂ ሰባት ምሕረት ዝሃበን ሞት ዓወት ገይሩ ብምልዓል ካብ ሞት ዝተለዓለሉ በዓል እዩ፡፡
ንሕና እየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ብሓድሕድና ብምፍቅቓር፣ ብምትሕልላይ፣ ብይቕሬታን ምሕረትን ብምግባር ምስ ደቂ ሰባት ብሰላም ንክንነብር ይሓግዘና፡፡
እቲ በዓል ፍቅሪ፣ ሰላም፣ ይቕሬታ፣ ምሕረት፣ ምትሕስሳብ፣ ምርድዳእ፣ ሓጎስናን ሓድነትና ዘደልደለሉ ይኹነልና፡፡
ብደጋሜ እንዃዕ ኣብፀሐኹም››