Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ከይዲ ህንፀት ሞዴል መናሃርያ ቃሊቲ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ  ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ን ሚኒስር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)ን ህንፀቱ እናተዛዘመ ዝርከብ ዘበናዊ ሞዴል መናሃሪያ ሃገር ኣቋፂ ትራንስፖርት ህዝቢ ቃሊቲ ተዓዚቦም፡፡

እቲ መናሃሪያ ኣብ ሰዓት 120 ኣውቶቡሳትን 7 ሺሕን 200 ተሳፈርቲን ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጡ ካፍቴሪያታት፣ ሹቓት፣ መእከቢ ኣዳራሻት፣ መመገቢ ቦታታት፣ ልዕሊ 1 ሺሕን 130 መዕረፊ ወናብርን ናይ ታክሲ ተርሚናልን ዝተሰናደአሉ ማእኸል ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ መናሃሪያ ኣብ 3 ነጥቢ 9 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጡ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝውዕል በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ህንፀቱ ኣብ ምዝዛም ከምዝኾነ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.