ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ህንፀት መንደር መንበሪ ኣባይቲ ኣያት ካሳንቺስ ኣጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ህንፀት መንደር መንበሪ ኣባይቲ ኣያት ካሳንቺስ ኣጀሚረን።
እቲ ኣባይቲ ብመንግስቲን ውልቀን ብምትሕብባር ዝህነፅ እንትኸውን፥ ቁፅሩ 13 ሺሕን 752 ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ንምኽንባት ትልሚ ከምዝተትሓዘ ተዛሪበን።
ከንቲባ ኣዳነች፥ እቲ ምምሕዳር ባህጊ መንበሪ ኣባይቲ ማሕበረሰብ ንምሙላእ ይሰርሕ ኣሎ ኢለን።
ነዚ ዝኸውን ማዕቐፋት ማዕቐፋት ሕጊ ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ብመንግስቲን ብውልቀ፣ ማሕበር ብምውዳብ፣ ብውልቀን ውልቀን ሽርክና ከምኡውን ብሪል ስቴት ምልማዕ ከምዝከኣል ተዛሪበን።
እቲ ህንፀት እንትዛዘም ልዕሊ 100 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝኾኑ ገሊፀን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።