Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ መበል 25 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን መሪቀን ስራሕ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ 12 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ መበል 25 ማእኸል ምገባ ተስፋ ብርሃን ጨንፈር ጉራራ መሪቀን ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ ሓዱሽ ማእኸል በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ንዓቅመ ደካማታትን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቃልዑ ወገናትን መኣዲ ኣካፊለን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ምምሕዳር ከተማ ምስ ዘፈር ውልቀ ብምትሕብባር ማእኸላት ምገባ ብምስፋሕ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዘ ክበልዑ ዘሕኽእሉ ወገናት እናመገበ ከምዝርከብ ተዛሪበን።
መበል 25 ማእኸል ምገባ ብሓገዝ ኣክሲዮን ማሕበር ምህናፁ ብምሕባር፥ እቲ ትካል ኣብቲ ማእኽል ዓቅመ ደካማ ወገናት ከምዝምግብ ብምሕባር ምስጋና ኣቕሪብ።
“ምሃብ ኣየጉድልን፤ ምልጋስ በረከት ኢዩ” ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ሰብ ሃፍቲ ድጋፎም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ምቕራበን ግዜኢ ፀብፂቡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.