ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ን446 ዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ን446 ዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን መንበሪ ኣባይቲ ኣመሓላሊፈን፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢ 22 ዝተሃነፀ በዓል ኣርባዕተ ደብሪ ህንፃ ብዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ንዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን ሎሚ ቁልፊ ኣረኪበን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ከምዝበልኦ÷ ኣዲስ ኣበባ ንመነባብሮ ምችውቲ ከተማ ካብ ምዃን ሓሊፉ ንነበርታ ብኹለመዳያዊ መንገዲ ዝጠቅም ሰፊሕ ስራሕቲ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፀን።
እቶም ኣባይቲ ሚኒስቴር እቶት፣ ኮሚሽን ጉምሩክ፣ በዓል መዚ ማይን ፈሳሲን ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር 446 ኣባይቲ ተሃኒፆም ንዓቕመ ደካማን ተለዓልቲ ልምዓትን ምርካብ ተኻኢሉ ኢለን፡፡