Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ጉድኣት ተመልኪተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብታ ከተማ ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ጉድኣት ተመልኪተን፡፡

ሎሚ መዓልቲ ለይቲ ሰዓት 10፡35 ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 6 ከባቢ ሃብተጊዮርጊስ ድልድል ኣብ መንበሪ ገዛን ናይ ንግዲ ኣባይቲን ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓገዳ ባርዕ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተገሊፁ፡፡

እተን ከንቲባ በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝበፅሐ ጉድኣት ብኣካል ብምርካብ ተመልኪተን፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ኣባይቲ ዝተሃነፁሉ እታወት፣ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክን ካልኦት ምኽንያታትን ተደሚሮም እቲ ሓደጋ ንኽስፋሕፋሕ ከምዝገበሩ ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን እታ ከተማ ኮማንደር ኣህመድ መሓመድ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብቕልጡፍ ብምብፃሕ ሰፊሕ ርብርብ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር፤ ይኹን እምር እቲ ከባቢ መኪና ዘየእቱ ብምዃኑን ተቐፃፀልቲ ነገራት ብምህላዎምን ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.