Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያታት ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ንኸጠናኽሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ኩባኒያታት ኔዘርላንድስ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝፈጠሮ ምቹው ዕድል ብምጥዋም ተሳትፎ ኢንቨስትመንቶም ንኸጠናሕሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ክርስቲን ፒሬን ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያን ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ጠሚቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ዘካየዶ ኩለመዳይ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ምቹው ዕድል ኢንቨስትመንት ከምዝፈጠረ ምሕባሮም ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡

እዚ ዕድል ንምጥቃም ኩባኒያታት ኔዘርላንድስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎም ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.