ኩባንያታት እንግሊዝ ብመመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተፈጠረ ምቹው ዕድል ንኽጥቀሙ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩባንያታት እንግሊዝ ብመመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምቹው ዕድል ኢንቨስትመንት ንኽጥቀሙ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡
ብኣተሓባባራይነት ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰናደአ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ኣብ ለንደን ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ኣብቲ እዋን፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ መመሓየሺታት ኢኮኖሚ ዝፈጠሩዎ ምቹው ዕድል ኢንቨስትመንት ኩባኒያታት እንግሊዝ ንኽጥቀሙሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ፎረም ብዙሓት ኩባኒያታት እንግሊዝ ዝተሳተፉ እንትኹኑ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታ ኢንቨስትመንትን ፖሊሲታት መንግስቲን ዝጠመተ ገለፃ ከምዝተገበረ ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡