ኩነታት ፀፅታ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ኣተኣማማኒ ከምዝኾነ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩነታት ፀፅታ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ኣተኣማማኒ ከምዝኾነ ጥምር ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ገሊፁ።
እቲ ጥምር ሓይሊ 1 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ብመሰረት ዘቐመጦ ኣንፈት እቲ ኩነታት ፀፅታ ብምግምጋም ሓፈሻዊ ከም ሃገር ኣብ ኩለን ክልላት ብዝተዋደደ መገዲ ይስራሕ ምህላዉ ልዑል ውፅኢት ስራሕ ፀፅታ ከምዝተረኸበ ሓቢሩ።
ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብኮማንድ ፖስት እናተመርሐ ብዝተሰርሐ ስራሕቲ ፀፅታ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ብመሰረት ዝተገበረ ተኸታታሊ ኦፕሬሽን ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ዘስግኡ ብኣፅዋር ኲናት ዝተሓገዙ ተወዲቦም ዝፍፅምዎ ገበን የለን ኢሉ።
ኣብ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋር፣ ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ስኑዓት ሰነዳት፣ ማዕገትቲን ስርቂን ገበን ንህዝቢ ዘማርሩ ዝነበሩ ብዙሓት ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እቲ ጥምር ሓይሊ ኣፍሊጡ።