Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዓበይቲ ውሳነታት ዝውሰነሉ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዓበይቲ ውሳነታት ዝውሰነሉ ኢዩ ክብሉ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር መዓርግ ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ እቲ ዝሳለጥ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጠሚቶም ንመራኸብቲ ሓፋሽ መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መብርሂኦም፥ እቲ ጉባኤ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ገሊፆም።

ዓበይቲ ውሳነታት ዝውሰነሉን ወሳኒ ኣንፈታት ዝወሃበሉን ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።

ፓርቲ ብልፅግና 15 ነጥቢ 7 ሚሊየን ኣባላት ከምዘለውዎ ኣብ መብርሂኦም ሓቢሮም።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.