ካብ መዓድናት ገይፃ መይፂ ዝርከብ እቶትክብ ንምባል ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መረዳእታ መዓድናት ገይፃ መይፂ ብምፅናዕንብምዝማንን ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ እቶት ክብ ንምባል ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር መዓድን ገሊፁ፡፡
ሚኒስቴር መዓድንን ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንዱስትሪ መዓድንን÷ቁልፊ ፀገማት መፅናዕትን ዘበናዊ ሞዴል ሰነድ ዕዳጋን ቀረብን ዕዳጋን መዓድን ኦፓል ምስ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብምስንዳእ ንመዳርግቲ ኣካላት ኣቕሪቡ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ መዓድን ሚሊዮን ማቴዎስ ከምዝበልዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ መዓድናት ገይፃ መይፂ መረዳእታ ብግቡእ ብምፅናዕን ብምዝማንን እቶት ናይቲ ዓውዲ ክብ ንምባል ጠመተተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ፡፡
ኣብቲ መድረኽ÷ መዓድናት ኦፓል ሃፍቲን ቀረብን፣ ኣብ ዕድጊት ዝረኣዩ ቀንዲ ፀገማት፣ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ከምኡውን መማረፂ ዕዳጋ መዓድን ኦፓልቀሪቡ ዘተ ምክያዱ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡