Fana: At a Speed of Life!

ካብ ስቕለት ንመሃሮ ይቕሬታ ምግባር፣ ትሕትናን ምክብባርን ኢዩ – ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ንመሃሮ ይቕሬታ ምግባር፣ ትሕትናን ምክብባርን ኢዩ ክብሉ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ገሊፆም፡፡

በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ብተኸተልቲ እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብስግደት፣ ብፆምን ብፀሎትን እናተኸበረ ይርከብ።

ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ካብ በዓል ስቅለት እንመሃሮ ደቂ ሰባት ሕድሕዶም ይቕሬታ ምግባር፣ ትሕትናን ምክብባርን ኢዩ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ንምድሓንን ሓጥያቶም ንምንፃህን መስቀል ተሸኪሙ ምስቓዩ፣ መግራፉ፣ ብሽኻል ምውግኡን መስቃሉን ብምዝኽኻር ብሕማማተ መስቀል ፍፁም ፍቕሪን ይቕሬታን ከምህር ምኽኣሉን ገሊፆም።

ደቂ ሰባት ቕረ ምብህሃል፣ ሕድሕዶም ክፋተዉን ክከባበሩን ኣለዎም ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል÷ “ፈጣሪ ነዓና ይቕረ ኢሉና ኢዩ ንሕና እውን ንዝበደሉና ይቕረ ብምባል ብፍቕሪን ብሓድነትን ምንባር ክነጠናኽር ኣለና” ክብሉ ተዛሪቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.