Fana: At a Speed of Life!

ካብ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ዝተውሃበ መግለፂ

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት 1 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ብዝገበሮ ኣኼባ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ገምጊሙ፡፡

ኢትዮጵያ ንዘበናት ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ስብራታት ገጢሞምዋ ነይሮም፡፡ እዞም ስብራታት ብምፅጋን ናብ ምዕባለ ትገብሮ ጉዕዞ እናቀላጠፈት ትርከብ፡፡ ክሳብ ሕዚ ዝጀመረቶም ሪፎርምታት እናሰመሩ፤ ዝወጠነቶም ኢኒሼቲቫት ፍረ እናፍረዩ፤ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ተሰማዕነት እናወሰኸ፤ ብሄራዊ ረብሓታታት ንምኽባር ትገብሮ ፃዕሪ ውፅኢት እናመዝገበ ምዃኑ ነዚ ምስክር ኢዩ፡፡ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስን መሓዙትን ብዝተገበሩ ልዝባት እናተረኸቡ ዝርከቡ ሓገዛት ፋይናንስን ኢኮኖሚን ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሪፎርምታት ኣብ ምዕዋት ዘለዎም ኣበርክቶ ልዑል ኢዩ፡፡

ኣብ መዳይ ልምዓትን ፖለቲካን እናመፅኡ ዝርከቡ እወንታዊ ለውጢታት ሃገራዊ ሰላም ንኽፀንዕ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ፡፡ ሃገራዊ ኩነታት ሰላም ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ መፂኡ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ገምጋም እቲ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቱ ኢዩ፡፡ ካብ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊ ለውጢ ብተወሳኺ እቲ ኩነታት ሰላም ንኽመሓየሽ ዝገበሩ ምኽንያታት እውም ኣለዉ፡፡ ህዝቢ ሕማቕ ምስሊ ጎንፂን ኲናትን ብምርኣይ ምስ ፀሞቕቲ ጎንፂ ንዘይምትሕብባር ዘርአዮ ቆራፅነት እቲ ፈላማይ ኢዩ፡፡ መንግስቲ ንሰላማዊ መፍትሒ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋምን ዝገበሮ ምንቅስቓስን ብካልኣይ ደረጃ ዝፅራሕ ኢዩ፡፡

ዋላ እኳ ብእኩይ ዕላማ ሓደ ሓደ ወገናት ዝተበገሰ ህዝቢ ትግራይ ዝደልዮ ዘኣክል ሰላም እንተዘይረኸበ፣ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ብሰላም ንኽፍታሕ መንግስቲ ብዝገበሮ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ህዝቢ እፎይታ ንኽረክብ ኣኽኢሉዎ ኢዩ፡፡ እቲ ስምምዕነት ሰላም መንግስታዊ ኣገልግሎታት ንኽጀመሩ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስራሕቲ ንኽውገኑ፣ መሰረተ ልምዓታት ንኸፅገኑ ገይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን እውን መንግስቲ ሕጊ ኣብ ምኽባርን መገዲታት ሰላም ኣብ ምብርትታዕን ብዘካየዶ ተግባር ብዙሓት ውፅኢታት ተመዝጊቦም ኢዮም፡፡ ዕጡቓት መገዲ ሰላም ብምምራፅ ብሰላም ኣቲዮም ኢዮም፡፡ ህዝቢ በዓል ቤት ሰላም ብምዃን ከባቢኡ ምኽባር ጀሚሩ ኢዩ፡፡ ክልላዊ ውዳበታት ፀፅታ ተጠናኺሮም፡፡ ምንቅስቓሳት ኢኮኖሚ ብዝተሃቀነሎም መገዲ ምክያድ ጀሚሮም ኢዮም፡፡ ናይ ሸቐጣትን ዝውውር ሰባትን ኣብ ዝሐሸ ደረጃ በፂሑ ኣሎ፡፡ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃገርና እውን ኩነታት ሰላም ፀፅታን ብዝበለፀ እናፀንዐ ከምዝርከብ እቲ ቤት ምኽሪ ድሕነት ብዕምቆት ገምጊሙ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ዘለዎ ነባራዊ ኩነታት፣ ዓለም እናኸደቶ ምስ ትርከብ መገዲ ፖለቲካን ኢኮኖሚን፣ ከምኡ እውን ሃገርና ብመንፅ ክነብፀሖ እንደልዮ ብርኪ ዕቤት ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያት ከምዘለዉ እቲ ቤት ምኸሪ ተመልኪቱ፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ካብዞም ሃገራዊ ኩነታት ፀፅታ ብተወሳኺ ዓለም ለኻዊን ዞባዊን ኩነታት እውብ ብዕምቆት ተራኢዩ ኢዩ፡፡ ኩነታት ኢኮኖሚ ዓለም፣ እናጋጠኑ ዝርከቡ ወጥሪታት፣ ራዐዳዊ ምንቅስቓሳት፣ እናጋጠሙ ዝርከቡ ዓለም ለኻዊ መስመራት ንግዲ፣ እናፈረሱን እናተዳኸማን ዝርከባ ሃገራት፣ እናበዝሑ ዝርከቡ መጥቃዕቲታት ሳይበር፣ እናተገማምዑ ዝርከቡ ነባር ዓለም ለኻዊኻትሕብባራት፣ እናተፈጠሩ ዝርከቡ ሓደሽቲ ዓለም ለኻዊ ጥምረታት፤ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ከሕድሩዎ ዝኽእሉ ፅዕንቶ ብዝርዝር ምይይጥ ተገይሩዎ ኢዩ፡፡

ዝተቐመጡ ኣንፈታት

ሰላም፣ ፀፅታን ድሕንነትን ምስ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ኩነታት ዝተኣሳሰሩ ኢዮም፡፡ ፖለቲካዊ ብስለት፣ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ምርግጋእን፣ ኩነታት ሰላም፣ ፀፅታን ድሕንነትን ሓንቲ ሃገር ዘመሓይሹ ኢዮም፡፡ ብመንፅር እዚ ኣብ ሃገርና ዝተጀመሩ ሪፎርምታት ናብ ምፅናዕ ምዕራፍ ምብፃሕ ይግባእ፡፡ መፍረያይነት ምብርትታዕ፣ ሪፎርም ሲቪል ሰርቪስ ብዝተትሓዘሉ ግዘን ብርኪን ምትግባር፣ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ምፍጣርን ምውፋርን፣ ዝውውር ሰባትን ሸቐጣትን ብዝበለፀ ምቅልጣፍን ሰላማዊ ምግባርን፤ ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ንግዲን መቁፅፃር፤ ድሕንነት መሰረተ ልምዓት ብህዝቢን ኣካላት ፀፀታን ምርግጋፅ፤ ዝተጀመሩ ኢኒሼቲቫት ብሜላ ፈጠራን ቅልጣፈን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ምግባርን፤ ስራሕቲ ፅያን ክረምቲን ብግቡእ ትልሚን ኣመራርሓ ንውፅኢት ምብቃዕ፤ ኣገልግሎታት ትምህርቲን ጥዕናን ኣብ ዝኾነ ከባቢ ብፍፁም ከይቋረፁን ዝተቋረፁ እውን ንኽቕፅሉ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ፡፡ ነዚ ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ተናቢቦም፣ ተወዲቦምን ብሓባር ተሊሞምን ዝድለ ውፅኢት ንኸምፅኡ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዘለዉ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ፍረ እናፍረየ ይርከብ፡፡ እዚ ስራሕ ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ባህላዊ መገዲታት ሓዊሱ ኩሉ ዓይነት ሰላማዊ መገዲታት ምጥቃም ይግባእ፡፡ መገዲ ሰላም መሪፆም ንዝመፅኡ ኣካላት ግቡእ ክንክን ምግባርን ሰልጢኖም ናብ ህዝቢ ክፅምበሩ ምስራሕን የድሊ፡፡ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣማራፂ ሰላም ብምዕፃው ድሌቶም ብሓይሊ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዝተጀመረ ተግባር ምኽባር ሕጊ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ምግባር የድሊ፡፡

ካብ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ እናተቐበሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ፀገም ንምፍጣር ዝፅዕሩ ባንዳ ሓይሊታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዓቕሞም እናደኸመ፣ ተቐባልነቶም እውን እናቀሃመ መፂኡ ኣሎ፡፡ ፍልፍል ገንዘብን ሓይሊ ሰቦምን እናነፀፈ ይርከብ፡፡ ይኹን እምበር ፈፂሞም ክሳብ ዝጠፍኡ ሕጊ ምኽባር፣ ኣማራፂ ሰላም ፀንቂቕካ ምጥቃምን ህዝቢ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲን ወሰንቲ ኢዮም፡፡ እዚ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ብዝበለፀ ንምትግባርን ዘኽእል ሜላን ኣንፈትን በቲ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ኢትዮጵያ ዘደንፍዑ ውፅኢታት ዲፕሎማሲ እናወሰኹ መፂኦም ኣለዉ፡፡ እዚ ብዝበለፀ ብምስፋሕን ብምጥንኻርን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለም ክኽበር ምግባር ግቡእ ኢዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያን በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ንምኽባር ዲፕሎማሲያዊ፣ ሕጋዊን ሰላማዊን መገዲታት መሰረት ብምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ብዝተጀመረ ናህሪ ንኽቕፅል ዘኽእል ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ዓለም ናይ ፖሊሲ ናፅነታ ሓሊያ፣ ረብሓታታ ኣኽቢራ፣ ግቡእ ግደኣ ንኽትፃወት ዝተውሃበ ጥበብ ዝተመልኦ ኣመራርሓ ዝድነቕ ኢዩ፡፡ እዚ ጥበባዊ ኣመራርሓ ሕዚ እውን ተጠናኺሩ፣ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ፈተናታት ኩሉ ተሳጊራ ግቡእ ሉላዊ ደረጃኣ ንኽትሕዝ ዝገብር ኢዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ኣለና፡፡ ህዝብና እውን ሰላሙ ብምሕላውን ብምኽባርን ዝጀመሮ ዘኹዕ ተግባር ንኸጠናኽር በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ንብል፡፡ ናብ ሰላማዊ መገዲድ ዝመፅኡ ዕጡቓት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ቁፅሮም እናወሰኸ ይርከብ፡፡ እዞም ዕጡቓት ተቐቢልካ ናብ ሰላማዊ ህይወት ንምምላስ ተሳትፎ ሕብረተሰብ መተካእታ ዘይብሉ ኢዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ነዚ ስራሕ ዝተጣየሹ ኣካላት ምስ ማሕበረሰብ ብዝበለፀ ብምውዳድ ንኽሰርሑ ኣንፈት ተቐሚጡ ኣሎ፡፡

ትካላት ድሕንነትን ፀፅታን ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንምሕላው እናኸፈሉዎ ዝርከቡ መስዋእትነት እቲ ቤት ምኽሪ ንኢዱ፡፡ ኩለመዳይ ምዕባለ ሃገርና ክሳብ ዝረጋገፅ ዝጀመርኩምዎ ተግባር ሓርበኝነት ንኽተጠናኽሩ ደጊምና ሓደራ ንብል፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሰላምን ልምዓትን ኢትዮጵያ ብምድጋፍን እናመዘገበቶ ንእትርከብ ለውጢ ኣፍልጦ ብመሃብ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ እቲ ቤት ምኽሪ የመስግን፡፡

ምዕባለ ሃገርና ዘይተርፍ ኢ፡፡ ካብ ጅማሮኡ ዝተረኸቡ ውፅኢታት እውን ነዚ ዝምስክሩ ኢዮም፡፡ ሪፎርምታትን ኢኒሼቲቫትን ፍረ እናፍረዩ ይርከቡ፡፡ ፈተናታት እናሓለፉ፤ ቁፃራት እናተፈትሑ፤ ፀገማት እናተቐረፉ ይኸዱ ኣለዉ፡፡ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻኻ ግደ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ እናተጠናኸረ መፂኡ ኣሎ፡፡ ስራሕቲ ሰላም፣ ፀፅታን ድሕንነትን ብዝበለፀ ኣጠናኺርና፣ ተዋዲድናን ተናቢብናን ብምውጋን ዕግበት ህዝብና ንምርግጋፅ ዘለና ድልውነት በዚ ኣጋጣሚ ነረጋግፅ፡፡

ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት

1 ሚያዚያ፣ 2017 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.