ካብ ናይ ትማሊ ሓርበኛ ኣቦታት ዝተመሃርናዮ ንባዕልኻ ብምስዋእ ሃገር ምንባር ኢዩ – ም/ቀ/ሚ ተመስገን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ናይ ትማሊ ሓርበኛ ኣቦታትናን እኖታትናን ዝተመሃርናዮ ንባዕልኻ ሰዊእኻ ሃገር ምንባር እምበር ሃገር ሰዊእኻ ርእስኻ ምንባር ኣይኮነን ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፀን፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ዝተዘከረ መዓልቲ ሰማእታት 12 ለካቲት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያውያን ንኢትዮጵያ ዘፅንሑዋ ብመስዋእትነት፣ እኳደኣስ ምስ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ባንዳ እናተቓለሱ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም።
ኣብ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ወራር ፋሺስት ጣሊያን ሓርበኛታት ንናፅነትን ሉኣላዊነትን እንትቃለሱ ባንዳታት ድማ ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ምስ ፀላኢ ተሓባቢሮም ሃገሮም እናወግኡ ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡፡
ሎሚ እውን ንውልቀ ረብሐኦም ምስ ታሪኻዊት ፀላኢ ሃገር ብምትሕብባር ንሃገሮም ዝወግኡን ከብዲ ካብ ሃገር፣ ስልጣን ካብ ህዝቢ ዝበለፆም ባንዳታት ከምዘለዉ ኣመልኪቶም፡፡
ዘሕጉስ ነገር ግን ሎሚ ካብ ባንዳታት ቁፅሪ ሓርበኛታት ይበልፅ፤ ኢትዮጵያ ፈተና ኩሉ ብምስዓር ኣብ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ብምስጓም ናይዚ መርኣያ ከምዝኾነ ሓሮም፡፡
ካብ ሓርበኛ ኣቦታትናን እኖታትናን ዝተመሃርናዮ ንባዕልኻ ሰዊእኻ ሃገር ምንባር እምበር ሃገር ሰዊእኻ ርእስኻ ምንባር ኣይኮነን ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፡፡