Fana: At a Speed of Life!

ካብ ግድብ ህዳሰ 1 ሺሕን 950 ቶን ፍርያት ዓሳ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ሰብ ስራሕ ቃላይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 950 ቶን ፍርያት ዓሳ ከምዝተረኸበ ቢሮ ሕርሻ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር እንስሳትን ልምዓት ሃፍቲ ዓሳን ኣይተ ሃይሉ ይርጋ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ንምስፍሕዳሕ ብትኹረት ተሰሪሑ።

ንፍላይ ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝውገን ልምዓት ሃፍቲ ዓሳ ንምጥንኻር ብምትሕብባር እናተሰር ይርከብ ኢሎም።

ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ግድብ 74 ማሕበራት ተወዲቦም ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦም ብምሕባር፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም 28 ማሕበራት ስራሕ ከምዝጀመሩ ተዛሪቦም።

ንመግፈፊ ዓሳ ዝውዕላ 29 ጀልባታትን 1 ሺሕን 400 መርበባትን ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ካብ ግድብ ህዳሰ 1 ሺሕን 947 ቶን ፍርያት ዓሳ ምፍራይ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.