Fana: At a Speed of Life!

ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እናሰርሐት ምዃና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ ጆሽዋ ታባንን ፍሉይ ልኡኽ ካናዳ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ቤንማርክ ዴንዴርን ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ታሪኻዊ ርክብ ኢትዮጵያን ካናዳን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም፡፡

ኣብ እዋናዊ ኣተገባባራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጠመተ ገለፃ ምግባሮም እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ኣምባሳደር ጆሽዋ ታባን ብግደኦም፤ ካናዳ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብላዕለዎት ሰብ መዚ ካናዳ ዝተመርሑ ልኡኻት ኣብ ኢትዮጵያ ተከታታሊ ዑደታት ምግባሮም ብምሕባር፤ እዚ ድማ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘሎ ድሌት ዘርኢ ኢዩ ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.