Fana: At a Speed of Life!

ክልል ቤኒንሻንጉል ጉምዝ ልዕሊ 3 ሺሕን 100 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዘእተወ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ቤኒንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 3 ሺሕን 100 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ፡፡

ብፍሉይ ትሑት ኣፍረይቲ ወርቂ፣ ብኣዘዋወርቲን ብኩባንያታት ዝፈረየ 3 ሺሕን 170 ነጥቢ 6 ኪሎ ግራም ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ክኣቱ ከምዝተገበረ ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣመልኪቱ፡፡

ኣብቲ ክልል ካብ ዝተፈላለዩ መዓድናት ዝርከብ ኣታዊ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምፅኡን ካብቲ ዓውዲ ልዕሊ 38 ሚሊየን 900 ሺሕ ብር ኣታዊ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.