ክልል ኦሮሚያ 72 ቢሊየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ መስርሒ ቦታ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቦርድ ኢንቨስትመንት ክልል ኦሮሚያ 72 ቢሊየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ሰብ ሃፍቲ መስርሒ ቦታ ኣመሓላሊፉ፡፡
እቲ ቦርድ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ÷ ሰብሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ከምኡውን መሪሕ ሰበኽ ሳግም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ተቐባሊነት ምርካቦም ቢሮ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ክልል ኦሮሚያ ኣፍሊጡ፡፡
ብመሰረት እዚ 72 ቢሊየን ብር ካፒታል ንዘመዝገቡ ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ሰብ ሃፍቲ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ምሃቡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣሕመድ ኢድሪስ ገሊፆም፡፡
ኣብ ልዕሊ 18 ሺሕ ሄክታር መሬት ውሳነ ዝተመሓላለፈ እንትኾን÷ እቶም ኢንቨስተራት ብመስረት ዝተቐመጠ ኣንፈት ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ምግላፁ ኣብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡