Fana: At a Speed of Life!

ክልቲኣዊ ዘተ ኣሜሪካን ሩሲያን ኣብ ኢስታንቡል ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካልኣይ ዙር ክልቲኣዊ ዘተ ኣሜሪካን ሩሲያን ኣብ ቱርክ ኢስታንቡል ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኣሜሪካ ኣሌክሳንደር ዳርኪቭን ምክትል ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳት ወፃኢ ኣብ ኣሜሪካ ሶናታ ኮልተርን ዝተመርሑ ጉጅለ ልኡኽ ኽልቲአን ሃገራት ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምዝታዮም ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ኢስታንቡል ዝርከብ ቆንሰላ ሩሲያ እናተኻየደ ዝርከብ ዘተ÷ ብቐንዲ ድማ ነበር ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ዘበነ ስልጣኖም ዝሓርፈፈ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምስትኽኻል ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ልኡኽ ኣሜሪካን ሩሲያን ፈላማይ ዙር ዘተ ኣብ ወርሒ ለካቲት መወዳእታ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ውሽጢ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምኽያዱ ቲ ኣር ቲ ወርልድን ስፑትኒክ ኣብ ፀብፃቦም ኣፍሊጦም፡፡
ብሚኪያስ አየለ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.