ክብሪታት ዒድ ኣል ፈጥር ንህንፀት ሃገር ኣድለይቲ ኢዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክብሪታት ዒድ ኣል ፈጥር ንህንፀት ሃገር ኣድለይቲ ኢዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
ኣብ መልእኽቶም ድማ፤ “እንኳዕ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብፀሐኩም፤ ድሕሪ ፆም ወርሒ ረመዳን ዝመፅእ ዒድ ኣል ፈጥር፣ በዓል ሓድነትና ሰናይ ምግባርን ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኣብ እዋን ረመዳን ፆሙ፣ ሶላቱ ይኹን ኢፍጣሩ ብሓድነት ዝግበር ኢዩ፤ እዚ ድማ ሕብረት ዘጠናኽር ኢዩ” ኢሎም ኣብ መልእኽቶም፡፡
ብኻሊእ መዳይ ኣብ እዋን ፆምን እቲ በዓልን ንድኻታት ረሲዕኻ፣ ዓቕመ ደካማታት ሓዲግካ ምፍጣር ኣይፍቀድን ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ሰናይ ተግባር ምስራሕ ናይ ረመዳን ይኹን ዒድ ክብሪ ኢዩ” ኢሎም።
ክብሪታት ዒድ ኣል ፈጥር ንህንፀት ሃገር ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ሃገር ብዘይ ሕብረትን ሰናይ ምግባርን ክትህነፅ ከምዘይትኽእል ኣብሪሆም።
ሰናይ ተግባር ናይ ባዕልኻ ንኻሊእ ምግዳፍ ኢዩ፤ ናይ ካሊእ ሕማም ምክፋል ኢዩ፤ ንናይ ካልኦት በደል ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
“በዞም ጠቐምቲ ክብሪታት ሃገር እናሃነፅና እቲ በዓል ከምነኽብር ተስፋ ይገብር” ኢሎም እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም።