Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፀጋ ፍሉያት ዞባ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣፋሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ቶክዮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 33 ፎረም ኢንቨስትመንት እስያ፣ ዓረብን ኣፍሪካን ፀጋ ፍሉያት ዞባ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኣፋሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር)÷ መንግስቲ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ቅልጡፍ፣ ሰሓቢን ተመራፂን ንምግባር ዝወሰዶም መበረታትዒታት ፖሊሲ፣ ሃገር በቆል ስራሕቲ ሪፎርምን ኣብ ፍሉያት ዞባ ኢኮኖሚ ዘለዉ ኣገልግሎታት ሓደ መስኮትን ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ ዘለዋ ሰፊሕ መንእሰይ ሓይሊ ሰብ ተመራፂት መብፅሒት ኢንቨስትመንት ከምዝገብራ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.