Fana: At a Speed of Life!

ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዋና ፅሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ምስ ሓዱሽ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ዘቲዮም።

ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) እቶም ሓዱሽ ኣቦ ወንበር ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኢጋድ ኣብ ዝነበርሉ እዋንን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ፈተናታት እቲ ቀጣና ንክፍትሑ ዘርኣይዎ ቆራፅነትን ጠንካራ ኣወሃህባ ኣመራርሓን ንኢዶም፡፡

ዘመነ ስልጣኖም ዉፅኢታዊ ኽኾነሎም ሰናይ ትምኒቶም ዝገለፁ እቶም ዋና ፅሓፊ፥ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪካን  ሰለም፣ ደሕንነትን ምዕባለን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣፍሪካን ንምንጋስ ዝጀመርዎ ሓበራዊ ስራሕ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።

ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጠቅዕዎ ፅሑፍ፥ መሓመድ ዓሊ የሱፍ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዎም ቀፃልነት ዘለዎ ምትሕብባር፣ ዘላቒ ሰላም፣ ምርግጋዕን ምዕባለን ዘጠናኽር ስራሕ ንክሰርሑ ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.