ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ዴንማርክ ንምንጋስ ዘላቒ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ እትገብሮ ደገፍ ንኢዶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ዴንማርክ ንምንጋስ ዘላቒ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪካ እትገብሮ ደገፍ ንኢዶም።
እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ደብዳበ ሹመት ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኢትዮጵያን ተወካሊ ልኡኽ ኢጋድ ዴንማርክን ሱን ክሮግስትረፕ ምቕባሎም ገሊፆም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ብኢጋድን መንግስቲ ዴንማርክን ዝግበሩ ዘለዉ ዓውዲታት ምትሕብባር ተላዚቦም።
ብፍላይ ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ሰላምን ፀፅታን ከምኡውን ኣፈታትሓ ጎነፅ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእለሉ ኩነታት ብስፍሓት ምዝታዮም ገሊፆም።
መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ምንጋስ ሰላምን ምርግጋዕን ቀርኒ ኣፍሪካ እትገብሮ ዘላ ደገፍ ንኢዶም።