ወታደራዊ ልኡኽ ናይጄሪያ ስራሕቲ ለውጢ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ተዓዚቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣባላት ማእኸል ሪሶርስ ወታደራዊ ልኡኽ ናይጄሪያ ስራሕቲ ለውጢ ዋና ቤት ዕዮ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ተዓዚቡ።
ኣብ ዑደቶም ድማ፤ ዘበናዊ መራኸቢ ፖሊስ ዲጂታል ሬድዮ፣ ማእኸል ኮንትሮል ኮማንድ፣ ቀጥታ መቐበሊ ሓበሬታ፣ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታትን ዘበናዊ ካሜራን ናይ ድሕንነት መሳርሒ ዝተገጠመለን ዝተፈላለያ ተሽከርከርቲን ተመልኪቶም፡፡
ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዑደቶም ብዝረኣዩ ነገር ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ፤ ንላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ካል ምስጋና ምቕራቦም ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል የመላኽት፡፡