ዋሕዲ ደም ንዘጋጠሞ ጥንሲ ደም ምልጋስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ክፍሊ ሕክምና አዴታትን ጥንሲን ዋሕዲ ደም ዘጋጠሞ ናይ ኣርባዕተ ወርሒ ጥንሲ ደም ክወሃቦ ብምግባር ህይወት እቲ ጥንስ ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ኣብቲ ሆስፒታል ሰብ ስፔሻሊስት ሕክምና ኣዶታትን ጥንሲን ዶ/ር ሰዒድ ኣራጌ ገሊፆም።
ህፃናት ኣብ ማህፀን እናሃለዉ ከም ዝኾነ ሰብ ዋሕዲ ደም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከጋጠሞም ከምዝኽእል እውን ተዛሪቦም።
ፀገም ጥዕና ኣጋጢሙዋ ናብቲ ሆስፒታል ዝመፅአት ሓንቲ ነፍሰ-ፁር ኣደ ብዝተገበረላ ምርመራ እቲ ጨቕላ ፀገም ዋሕዲ ደም ከምዘጋጠሞ ስለዝተፈለጠ ግቡእ ሕክምና ንኽገብር ፃዕሪ ከምዝተገበረሉ ገሊፆም።
እታ ኣደ ናብቲ ሆስፒታል እንትትመፅእ ደንጒያ ትንበር እምበር ብዝተገበረላ ክትትል ህይወት ናይቲ ጥንሲ ክድሕን ብምግባር ዕዉት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም።
ሾተላይ ወይ እውን ኣር ኤች ፋክተር እናተብሃለ ዝፍለጥ ሕማም ከምዘለዎም እንድሕር ተፈሊጡ ህፃናት ኣብ ማህፀን እናሃለዉ ብዝግበረሎም ክትትል ሕክምና ምድሓን ከምዝከኣል ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።
ብምዃኑ ድማ ሰብ ሞያ ሕክምና ከምዚ ዝበለ ፀገም ዘለዎ ጥንሲ እንድሕር ኣጋጢሙዎም ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ምልኣኽ ዝኽእሉሉ ዕድል ከምዝተፈጠረ ኣገንዚቦም።
ጥንሲ ፀገም ሾተላይ ዘለዎ ምዃኑ እንተተረጋጊፁ ኣብ ውሽጢ ማህፀን እናሃለወ ንዕኡ ብዝተሰናደአ መርፍእ ኣቢልካ ደም ናይ ምሃብ ስራሕ ከምዝውገን እውን ኣብሪሆም።
ብእየሩስ ወርቁ