Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢታዊ ኣኼባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካልኣይ ኣኼባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ንምክያድ ዘኽእል ምድላዋት እናገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ን ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ሕርሻን ኮሚሽን ልምዓት ገፀርን ሞሰስ ቪላካቲ ኢትዮጵያዊ ተሰናድኦ ኣኼባ ካልኣይ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣፍሪካ ብዝምልከት ተዛትዮም፡፡
ኣብቲ ዘተ÷ ኣጀንዳ ኣኼባ ለውጢ ከባቢ ኣፍሪካ ፅኑዕ ለውጢ ንክመፅእ ንምኽኣል ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡
ጉባኤ ካልኣይ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መፃኢ መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ምዃኑ ኣብ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.