Fana: At a Speed of Life!

ዒድ ኣልፈጥር እንትኽበር ንዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ መበል 1 ሺሕን 446 በዓል ኢድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር መልእኽቲ ሰናት ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ኣስተምህሮት ብምትግባር ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ሎሚ ዘበን ፆመ ሮመዳን ፍቕርን ሓድነትን ዘርእዩ ሓበራዊ መርሃ ግብሪታት ኢፍጣር ዝተርኣዩሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ወርሒ ሎሚ ምሸት እንተተራእያ ፅባሕ፣ ሎሚ እንተዘይተራእያ ድማ ሶኑይ 22 መጋቢት 2017 ዓ.ም እቲ በዓል ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ብጀማል ኣሕመድ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.