ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፋይናንስ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓለም ለኸ ምትሕብባር ፋይናንስ ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ማክታር ዲዮፕ ገሊፆም፡፡
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ጎድና ጎድኒ ኣኼባ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ምስቶም ዋና ዳይሬክተር ተዛቲዮም፡፡
እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ትካሎም ንኢትዮጵያ ልምዓት ምሕዝነት ውልቀን መንግስቲን፣ ዓውዲ ቴሌኮም፣ ንሕርሻ ከምኡ እውን ንልምዓት መዕርፎ ነፈርቲ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም፡፡
እቶም ሚኒስትር ብተመሳሳሊ ምስ ተጠባባቒ ዳይሬክተር ኩዌት ፈንድ ዋሊድ ኣል-ባሃር ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ እዋናዊ ትኹታት ልምዓት ኢትዮጵያን ብመመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ብዝምልከት ገለፃ ገይሮም።
እቲ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ ዕዳጋ ዝመርሖ ስርዓት ዘሰጋግርን ተሳትፎ ኢንቨስትመንት ዘፈር ውልቀ ከምዘዕቢ ብምግላፅ፥ ኩዌት ፈንድ ኣብ መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ንዝተመረፁ ፕሮጀክታት ሓገዝ ንኽገብር ሓቲቶም።
እቶም ዳይሬክተር ብግደኦም፥ እቲ ፈንድ ቁልፊ መሰረተ ልምዓትን ወሰንቲ ፕሮጀክታት ልምዓትን ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥኻር ቆራፅ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡