Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ፈተናታት ንምፅዋር ኣፍሪካዊ ሓድነት ምጥንኻር ይግባእ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)እናጋጠሙ ዝርከቡ ኩለመዳይ ዓለም ለኸ ፈተናታት ንምፅር ኣፍሪካዊ ሓድነት ብምጥንኻር ክንቅፅል ኣለና ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴቲስ (ዶ/ር) ገሊፆም።

አብ በመበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ዝገበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓውዲ ርክብ በዓል ብዙሕ ወገን ከቢድ ፈተና እናጋጠሞ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንፍሪካ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብ ተመራፂን ኣድላዪን ከምዝኾነ ብምሕባር÷ “ርክብ ናይዚ ዓውዲ መረፃ ክኸውን ዝግበኦ ብምትሕብባር፣ ብሕብረት ምርድዳእን ብምሕዝነትን ስለነኣምን ዚዩ” ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፈተናታት መብዛሕተኦም ዓለም ለኻዊ ብምዃኖም መፍትሒታቶም እውን ዓለም ለኸዊን ማዕቐፍ በዓል ብዙሕ ወገን ርክብን ዝጠልቡ ከምዝኾኑ ኣልዒሎም።

ክሌማዊ ለውጢ፣ ብኽለት ከባቢ፣ ምስፍሕፋሕ በረኻነት፣ ለበዳን መሰል ዓለም ለኸ ጉዳያት ጥዕናን ማዕቐፍ ምትሕብባር በዓል ብዙሕ ወገን ዝሓቱ ከምዝኾኑ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.