ዓርቢ ስቕለት ብኣስተንህሮ ክርስትና:-
“ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዳምን ንኩሎም ደቁን ቤዛ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ መስቀል ተሰቒሉ ዝወዓለላ ዕለት ኢያ እሞ ማቴ ፳፯፥፴፭ ዓርቢ ስቕለት ትበሃል። ሰናይ ዓርቢ እውን ትበሃል፡- ቅድሚ ስቕለት ኢየሱስ ብፍላይ ድማ ብሕጊ ሮማውያን ምልክት መቕፅዒ ገበኛታት ዝነበረ መስቀል ብደሙ ቀዲሱ ናይ ምሕረት፣ ህይወት ኣርማ፣ ኣብ ልዕሊ ዲያቢሎስ ዓወት ንምጉንፃፍ ዘኽእል ስመዝገበሮ፤ ብሞቱ ሰናይ ህይወት ስለዝተረኸበ ሰናይ ዓርቢ ትበበሃል።”
መፃሓፉ ቀቅዱስ ኢየሱስ ድሕሪ ምስቃሉ ከምዚ ዝስዕብ ኮነ ይብል:-
፩. ፀሓይ ፀሊማ፤
፪. ወርሒ ደም ኮነት፤
፫. ከዋኽብቲ ረገፉ፤
፬. ናይ ቤተ መቕደስ መጋረጃ ተቐደደ፤
፭. ኣኻውሕ ተገማምዑ፤
፮. መቓብራት ተኸፈቱ፤
፯. ሙዉታት ተላዒሎም (ማቴ. ፳፯፥፶፩-፶፬)፡፡