ዓብዪ ኮሚቴ ሪፎርም ኣመራርሓ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ኮሚቴ ሪፎርም ኣመራርሓ ኣገልግሎትን ምምሕዳርን መንግስቲ ራብዓይ ስሩዕ ኣኼባኡ ከምዘካየደ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ ኣብቲ ኣኼባ ኣገልግሎት መንግስቲ ንተገልገልቲ ቀሊል፣ ግልፂ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቅልፍን ኣብ ሓደ ማእኸል ምቕራብን ዝከኣለሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ኣብ ዘኽእሉ ቅድመ ኩነታት ብምድሃብ ከምዝዘተዩ ኣብሪሆም።
ብምዃኑ ድማ ዲጂታል ሓደ ማእኸል ኣገልግሎት መንግስቲ ንምጥያሽ ኣብ ዘኽእል ሕጋዊ ሰነድ ስርዓት ኣሰራርሓ ብምዝታይ ኣሰራርሑኡ ብዝሓለወ መገዲ ብምፅዳቕ ናብ ተግባር ንከኣቱ ወሲንና” ክብሉ ኣልኪቶም።