ዓዉዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ቱሪዝምን ግልጋሎት ዜግነት ኢሚግሬሽንን ዓዉዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ፣ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ሰላማዊት ዳዊትን ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰውን ነቲ ስምምዕነት ከቲሞምዎ፡፡
እቲ ስምምዕነት÷ ኢትዮጵያ ን”ስቶፕ ኦቨር ቱሪዝም” ዘለዋ ሰፊሕ ዕድል መበገሲ ብምግባር እቲ ዓዉዲ ክስፋሕፋሕ ፣ ክጠናኸር ከምኡ እውን ካብቲ ዓዉዲ ዝርከብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምዕባይ ዘኽእል ማዕቐፍ ምትሕብባር ንምዝርጋሕ ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ፡፡
ኣይተ መስፍን ጣሰዉ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ስምምዕነት መገደኛታተ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንኽገብሩ ልዑል እጃም ከምዘለዎ ኣልዒሎም፡፡
ሰላማዊት ካሳ ብወገነን÷ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓዉዲ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ ስምምዕነት ታሪኻዊን ተፈጥኻኣዊን መስሕባት ቱሪዝም ብስፍሓት ንኽህዉፁ ይገብር እዩ ኢለን፡፡
እቲ ስምምዕነት እቶም ትካላት ስራሕቶም ብዝተቐላጠፈ መልኽዑ ንኽዉግኑ ይሕግዝ እዩ ዝበላ ድማ ፣ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን ሰላማዊት ዳዊት እየን፡፡
ብየሻምበል ምህረት