Fana: At a Speed of Life!

ዓውዲ ሕርሻ ምዝማን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ኢዩ – ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ምዝማን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)ገሊፆም፡፡

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ስልጠና ክእለት ልምዓት ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ተጀሚሩ፡፡

ኣብቲ መጀመሪ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ሚኒስትር ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ብብርኪ ሃገር 70 ሺሕ ሰራሕተኛታት ልምዓት ጣቢያ ከምዘለዉ ኣልዒሎም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ድማ 1 ሺሕን 300 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ልምዓት ጣቢያ ስልጠና መመሓየሺ ደረጃ ብዕሊ ከምዝጀመሩ ፀሪሖም፡፡

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዓውዲ ሕርሻ ምዝማንን ብፍልጠት ክድገፍ ምግባርን ይግባእ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ንሰራሕተኛታት ሕርሻ ጣቢያ ዝወሃብ ስልጠና ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመልኪቶም፡፡

ብከድር መሃመድ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.