ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያን ስቶክ ኤክስቼንጅ ርዋንዳን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያን ስቶክ ኤክስቼንጅ ርዋንዳን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዕዳጋ ሰነደ ሙኣለ ንዋያት ኢትዮጵያ ጥላሁን እስማዔል (ዶ/ር)ን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ስቶክ ኤክስቼንጅ ርዋንዳ ፒየር ሴሌስቲን ራባቡኩምባን ተፈራሪሞምዎ፡፡
ምትሕብባር ንምድናፋዕ፣ ፍልጠት ንምልውዋጥን ኣህጉራዊ ውህደት ፋይናንስ ንምዕባይን ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡