ዕዳ ወፃኢ ምስ ጂዲፒ ዘለዎ ቁጠባዊ ናብ 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ምብፅሑ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሓድሽ ኣሰራርሓ ሸርፊ ወፃኢ ምዝርግሑ ናብ ወፃኢ ዝልኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ንኽውስኽ ብምግባር ሃገርና ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ ኽውስኽ ምኽኣሉ ተገሊፁ።
ሎሚ ንግሆ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገምጋም ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ ትሽዓት ኣዋርሕ ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን ቐረብን ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ዝተጀመረ እንትኾን ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ሓፈሻዊ ርኢቶ ቀሪቡሎም፡፡
ከምኡ እውን ዕዳ ወፃኢ ምስ ሃገራዊ መጠን ጂዲፒ ዘሎ 13 ነጥቢ 7 ሚእታዊ ከምዝበፅሐን ትርጉም ብዘለዎ መጠን ምንካዩ ተገሊፁ።
ሓድሽ ኣሰራርሓ ሸርፊ ወፃኢ ምዝርግሑ ናብ ወፃኢ ዝልኣኽ ሸርፊ ወፃኢ ንኽውስኽ ብምግባር ሃገርና ዕቑር ሸርፊ ወፃኢ ኽውስኽ ምኽኣሉ ተሓቢሩ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር ከሎ ካብ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ኢንዱስትሪን ኤሌክትሪክን ዝተረኸቡ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ዕብየት ኣርእዩ ተባሂሉ፡፡
ቡን፣ ወርቂ፣ ጥራጥረ፣ ፍረታት ዘይቲ፣ ኣበባን ኤሌክትሪክን ኣብ ቕድሚት ዝስርዑ ፍርያት ንግዲ ምዃኖም ተሓቢሩ፡፡