Fana: At a Speed of Life!

ዕጥቅታት ስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራዮም ንዕብየት እቲ ዓውዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ- ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕጥቅታት ስፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራዮም ንዕብየት እቲ ዓውዲ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወ/ሮ ሸዊት ሻንካ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዘሎ ኦሜጋ ጋርመንት ኢንተርፕራይዝ ዕጥቅታት ስፖርት መፍረዪ ርእየን።

ኣበ 2010 ዓ.ም ናብ ስራሕ ዝኣየተወ እቲ ኢንተርፕራይዝ፥ ምዕቡላት ማሽናት ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ሕትመትን ዕጥቅታት ስፖርትን ዘፍሪ ኢዩ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ፍሪያት ዕጥቂ ስፖርት ምፍራይ ዝጀመረ እንትኸውን፥ ጋንታታት ስፖርት ሲዳማ ቡና፣ ሃዋሳ ከተማ፣ ኣርባ ምንጭ ከተማን ክልላትን ፍሪያቱ የቕርብ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.