Fana: At a Speed of Life!

ዚምባቡዌ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፤ 19 መጋቢት፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ዚምባቡዌ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ንምጥንኻር ከምትሰርሕ ፕሬዚዳንት ኤመርሰን ምናንጋግዋ ገሊፆም።

ብኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዚምባቡዌ ራሽድ ሙሓመድ ኣብ ምልእኽቲ ሓዱሽ ዓመት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ሃራሬ ተረኺቦም።

ኣብቲ እዋን ምስ ፕሬዚዳንት ዚምባቡዌ ኤመርሰን ምናንጋግዋ ተዛቲዮም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያን ዚምባቡዌ ንነዊሕ እዋን ፀኒዑ ዝፀንሐ ክልተኣዊ ምትሕብባር ከምዘለወን ገሊፆም።

እዚ ድማ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ብቖራፅነት ከምዝሰርሑ ምግላፆም ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃራሬ  የመካኽት።

ኣምባሳደር ራሽድ ሙሓመድ መንግስቲ ዚምባቡዌ ክልተኣዊ ርክበን ንኽጠናኸር እናገበሮ ንዝርከብ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሚያዚያ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝግበር ዓለም ለኸ ምርኢት ንግዲን ባዛርን ዚምባቡዌ ልዕሊ 10 ኩባንያታት ኢትዮጵያ ከምዝሳተፉን ፍርያት ሃገሮም ከምዘፋልጡን ምስቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.