ዝተለወጠትን ካብ ልመና ዝወፅአትን ሃገር ጋህዲ ካብ ምግባር ወፃእ ካሊእ ሓሳብ የብልናን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተለወጠትን ካብ ልመና ዝወፅአትን ሃገር ጋህዲ ካብ ምግባር ወፃእ ካሊእ ሓሳብ የቭልናን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “በዓል ትንሳኤ ኣብ ገላን ጉራ ምስ ዝርከቡ ካብ ካሳንቺስ ብልምዓት ዝተልዓሉ ኣሕሊፍና” ኢሎም።
ጎሰቊሉ ዝነበረ ከተማ ንቐይሮ ዝበልና ንሓበራዊ ረብሓ፣ ንሓጎስ ደቅናን መፃኢ ዘበን ንምውቃብን ጥራሕ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
“ዝተለወጠትን ካብ ልመና ዝወፅአትን ሃገር ጋህዲ ካብ ምግባር ወፃእ ካሊእ ሓሳብ የብልናን” ኢሎም።
እዚ ሓዱሽ ሰፈርኩም እትነብሩሉ ኢዩ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርኩምሉ ሰፈርኩም ከይድኩም ንኽትሪኡዎ ይጋብዘኩም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ቃል ብዝኣተናዮ መሰረት ካሳንቺስ ኣዚያ ውቅብቲ ኮይና ኣላ ክብሉ ተዛሪቦም።
ደቅና ተስፋ ኣለዎም፣ ካባና ዝሐሸ ህይወት ክነብሩ ይኽእሉ ኢዮም ክብሉ ብምግንዛብ፤ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ቀረባ ኢዩ ንሕና እውን ክንሪኦ ኢና፣ ደቅና እውን ክወርሱዎ ኢዮም ኢሎም።