Fana: At a Speed of Life!

ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻ ገጠር ምዕባለ ኢትዮጵያዊያን ንምዕዋት ወሳኒ ምኳኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዝተመሓየሸ ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻ ገጠር ንምፍላጥ ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ሲዳማ ተካይዱ::

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ማንደፍሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ምምሕያሽ ፖሊሲ ኣድላይነት ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብቲ ዓዉዲ እናተመዝገበ ዝርከብ ዉፅኢት ንምቕፃል ብብርኪ ሃገር እናተኻየዱ ዝርከቡ ኢኒሼቲቫትን  ስራሓቲታት ምምሕያሽ ፖሊሲን ንምዕዋት ፅቡቅ ኣጋጣሚ ምኳኑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ በየነ በራሳ ገሊፆም።

እቲ ፖሊሲ ሕርሻ መዋቕራዊ ስግግር ገፀር ንምስላጥ ራእይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ወሳኒ ምኳኑ ተገሊፁ።

እቲ ፖሊሲ ክሳብ ታሕቲ ወሪዱ ዝተሓሰበሉ ዕላማ ክወቅዕ ምትሕብባር ከምዘድሊ ሓበራዊ ቕዋም ምሓዙ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.