Fana: At a Speed of Life!

ዝተሰለፈሉ ዕላማ ዝተረደአ ብሄራዊ ሰራዊት ምክልኻል ተሃኒፁ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኩለመዳይ ዓወዲታት ዓርሱ እናብቀዐ ዝመፀን ዝተሰለፈሉ ዕላማ ዝተረደአን ፕሮፌሽናል ሰራዊት ተሃኒፁ እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም፡፡

እቶም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት ዘተ ኣካይዶም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን÷ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ በቲ ትካል ዝተሰርሐ ሪፎርም ብዙሕ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምቹው ኩነታት ምፍጣሩ ኣረዲኦም፡፡

ሃገርና ኣብ ታሪኻ ብከምዙይ ብርኪ ብዝሓትን ፅርየትን ዘለዎ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ሃኒፃ ኣይትፈልጥን ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ፥ ሃገሩን ሞይኡን ዝፈትው ዝውሃቦ ወፍሪ ብንኡሽተይ ኪሳራ ናይ ምፍፃም ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ተሃኒፁ እዩ ኢሎም፡፡

ሰራዊት ሃገርና ካብ ምብታን ንምድሓን ሓሊፉ ሰላም ሃገርና፣ ብልፅግናን ዲሞክራሲ ንምርግጋፅ እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ዘመዝገበቶ ዓወታት ብታሪኽ ዝዝኸር ምዃኑ ገሊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.