Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕደራ ትራንስፖርት ፅዕነት ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕደራ ትራንስፖርት ፅዕነት ኣመሪቑ፡፡
እቲ ስርዓት ምዝገባ ኦፕሬተርነት ትራንስፖርትን ፍቓድ ኣወሃህባ ተሸከርኸርቲን ኣሽከርከርቲን መረዳእታ ብምውዳድ ንምምሕዳር ዘኽእል እዩ ተባሂሉ፡፡
ምስ ኢንስቲትዩት አርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ ብምትሕብባር ዝለምዐ እቲ ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕዳር ትራንስፖርት÷ ተሸከርከርቲ፣ ኣሽከርከርቲን ኣወሃህባ ፍቓድ ሓገዝቲ ዶብ ተሳገርቲን ብዝተዋደደ ኩነታት ንምሃብ ዘኽእል ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ስርዓት ምምሕዳር ትራንስፖርት÷ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት አርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)ን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ተመሪቑ፡፡
ብፌቨን ቢሻው

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.