Fana: At a Speed of Life!

ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ስራሕቲ ስርዓተ ምግብን ኒውትሬሽንን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብብርኪ ሃገር ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ስራሕቲ ስርዓተ ምግብን ኒውትሬሽንን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ዘተ፥ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፣ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)ን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

ስትሪንግ ኮሚቴ ጥምር ስርዓተ ምግብን ኒውትሬሽንን ሚኒስትራት፥ ናይ ጥዕናን ግብርናን ሚኒስትራት ብሓባር ዘተሓባብርዎን 15 ሴክተር ኣብያተ ዕዮ ዘካተተን ኢዩ።

ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምጥንኻር ዓሊሙ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፥ ብፕሮግራም ሰቖጣ ቃል ኪዳንን ሴክተራት ስርዓተ ምግብን ትራንስፎርሜሽንን ኢትዮጵያ ዝተሰርሑ ስራሕቲን ዝተረኸቡ ተመክሮታትን ቀሪቦም ዘተ ተገይሩሎም።

ዶክተር መቅደስ ዳባ÷ ኣብ ሚኒስቴራት ጥዕናን ግብርናን ዝረኣዩ ዘለዉ ምውዳድን ንውፅኢት ናይ ምስራሕን ተበግሶ ኣብ ፅቡቕ በርኪ ከምዘሎ ሓቢረን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.